ደብዳቤ ብኢንተርነት ኣብ ዞባ ሰርምላንድ

ኣብ’ዚ እዋን ደብዳቤ ካብ ዞባ ሰርምላንድ ኣብ ዲጂታላዊ ሳጹንካ ክትቕበል ይከኣል እዩ። እዞም ዲጂታላዊ ደብዳቤታት ንኣብነት ካብ ክፍሊ ክንክን-ጥዕና ዝለኣኹ መኽፈሊ ፋቱራታትን ጻውዒታትን ክኾኑ ይኽእሉ።

ሰለስተ ዓይነታት ዲጂታላዊ ሳጹናት ኣለዉ።  ክብራ፡ ሚን-ሚንዲግሀትስ-ፖስትን ቢሎን።

ዲጂታላዊ ሳጹን እንተ ዘይብልካ ግን ከም ቀደሙ ብወረቐት ቡስጣ ነቲ ደብዳቤ ናብ ገዛኻ ንልእኸልካ። 

ዲጂታላዊ ደብዳቤ ብዝምልከት ዝያዳ ኣብ’ዚ ሓበሬታ ኣለካ፤ 
Myndigheten för digital förvaltning, DIGG (ብቋንቋ ሽወደንኛ)

ካብ ዞባ ሰርምላን ዝለኣኹ ዲጂታላዊ ደብዳቤታት ብዝምልከት ዝያዳ ኣብ’ዚ ሓበሬታ ኣለካ፤ https://regionsormland.se/digital-post  (ብቋንቋ ሽወደንኛ)

Uppdaterat: 14 november 2023
A7U6